መከላኸሊ ጥንሲ

Contraceptives

ብዛዕባ እዚ ፊልም

እዛ ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ እትገልጽ ፊልም፡ ከይጠነስኪ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽሚ እንተ ደሊኺ ከመይ ክትገብሪ ከም ትኽእሊ እያ እትገልጽ። ካብ ዘይተደልየ ጥንሲ ዝከላኸሉልኪ ንኣብነት ከም ከኒና መኸልከል ጥንስን ኣይ.ዩ.ዲ (ስፒራል) ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ኣለዉ። ከምኡ’ውን ኮንዶም ክትጥቀሚ ትኽእሊ ኢኺ። እዚ ካብ ዘይተድልየ ጥንስን ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማትን ይከላኸለልኪ እዩ።      

ኣብዛ ፊልም ሓደ ኣይ ዩ ዲ (ስፒራል፡ ኣብ ማህጸን ዝኣቱ መከላኸሊ ጥንሲ) ድሕሪ ሰለስተ ወይ ሓሙሽተ ዓመት ክቕየር ከም ዘለዎ ይጠቅስ እዩ። ድሕሪ እዛ ፊልም ምድላዋ እቲ መምርሒ ተለዊጡ እዩ። ገሊኡ ኣይ ዩ ዲ ኣብ ውሽጢ ማህጸን ዝነውሓ ግዜ ክጸንሕ ይኽእል እዩ። ንዓኺ እንታይ ከም ዝምልከተኪ ንመሕረሲትኪ ሕተቲ።

ኣብዛ ፊልም ነቲ ብስሩዕ ትወስድዮ ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ ምውሳድ ምስ እትርስዕዮ፡ እቲ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ከም ዝሰርሕ እውን ይጥቀስ እዩ። ይኹን’ምበር መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ትጥቀሚ እንተ ኾንኪ ክትወስድዮ ዘይብልኪ ዓይነት ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ኣሎ። ጌጋ ንኸይፍጸም ንመሕረሲት ነርስ ሓገዝ ሕተቲ።

ድሕሪ ፊልም ክትሓስብሉ ዘለኪ ሕቶታት

  1. ኣብዚ ፊልም ብፍሉይ ኣገዳሲ ኮይኑ ዝረኽብክዮ ነገር ኣሎ’ዶ?
  2. መከላኸሊ ጥንሲ ክትጥቀሚ ትደልዪ እንተ ዄንኪን ኣየናይ ዓይነት ክትጥቀሚ ከምትደልዪን ባዕልኺ ክትውስኒ መሰል ኣለኪ። ንዓኺ ዝሰማማዕ መከላከሊ ጥንሲ ኣየናይ ምዃኑ ከመይ ገርኪ ክትፈልጢ ትኽእሊ?
  3. ስለምንታይ እዩ ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ ምስ መጻምድትኺ ምዝራብ ጽቡቕ ክኸውን ዝኽእል? ብዛዕብኡ ንኽትዛረብ ዝቐለለ ወይ ዝኸበደ ክገብሮ ዝኽእልክ እንታይ ኣሎ?

ብዛዕባ እቲ ዝርኣካዮ ፊልም ክትዛረብ ትደሊ’ዶ?

ብዛዕባ እቲ ፊልም ምስ ካልእ ሰብ ምዝራብ ኣገዳሲ ኮይኑ ከም ዝስምዓካን ሓድሽ ርድኢት ክህበካን ይኽእል እዩ። ምናልባት ኣብ ክንዲ በይንኻ ኴንካ ትሓስበሎም ምስ ካልኦት ክትዘራረበሎም ጽቡቕ ዝኾኑ ሕቶታትን ሓሳባትን ይህልወካ ይኸውን።  ዘለዉና ሕቶታትን ሓሳባትን ንሓድሕድና ብምክፋልን ብምስምማዕን፡ ሓቢርና ደገፍ ክንረክብን ክንመሃርን ንኽእል ኢና።

ጕጅለ ኣቑምካ ብዛዕባ እዞም ፊልምታት ክትዛረቡ ትደሊ ዲኻ? ኣብዚ ከመይ ክትገብር ከም ትኽእል ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

ተዛመድቲ ፊልምታት